ፖሊ ቴክኒክ ሽረ-እንዳስለሰ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ኣስጋጊሩ…

መቐለ 13 ሓምለ/2010(ድወት)ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሽረ-እንዳስላሰ ዝመሃዞም 13 ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት ናብ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ።

ዲን ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሽረ-እንዳስለሰ መምህር ፀጋይ ገብረሚካኤል ከምዝገለፅዎ ደቀቕቲ ኣናእሽቱን ማእኸላዎትን ትካላት ንግዲ ዘድሊ ቴክኖሎጂ ክዓጥቃ ብምግባር ስሉጥ ቑጠባዊ ዕቤት ንከመዝግባ እጃሙ ንምብርካት እንዳሰርሐ ዝርከብ እቲ ኮሌጅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንስግግር ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበሩ ንጥፈታት እንዳሳለጠ እዩ።

እቲ ኮሌጅ ሎሚ ዘበን ብብርክት ዝበሉ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ጠለብ ዝረኸቡ ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት ንምስግጋር ዘኽእሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እንዳገበረ ምሕጋዩ ዘዘኻኸሩ መምህር ፀጋይ ከም ውፅኢቱ ድማ መስርሒ ብሎኬት፣ መፍረይ ሑፃ፣ እቶናት ቖጠብቲ ነዳዲን መምከኺ ሓፂንን ዝርከቡዎም 13 ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት ናብ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ከምዘሰጋገረ ሓቢሮም።

እቲ ኮሌጅ ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት ብምምሃዝ ናብ መንቀሳቐስቲ ደቀቕትን ኣናእሽቱን ትካላት ንግዲ ንምስግጋር ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እቶም ዲን ተዛሪቦም።