ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 170ሽሕ ተምሃሮ ይምረቑ ኣለዉ…

መቐለ ሰነ 30/2010(ድወት)ዩንቨርሰቲ ኣዲስ ኣበባ 9ሽሕን 724 ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ።

ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ 5ሽሕን 972 ብቅድመ ምረቓ፣ 3ሽሕን 606 ብድሕረ ምረቓ 266 ብሳልሳይ ዲግሪ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ እዩ ዘመርቕ ዘሎ።

ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘመረቖም ተምሃሮ 12 ተሸለምቲ እንትኾኑ ካብዚኦም እተን ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣብዚ ዓመት 170ሽሕን 578 ተምሃሮ ካብ መንግስታዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዝምረቑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።