ፍትሕ እንግሊዝን ሕብረት ኣውሮፓን…

መቐለ ሰነ 30/2010(ድወት)እንግሊዝ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ጥሙር ርክብ ክህልዋ ከምዝወሰነት ተገሊፁ።

እንግሊዝ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ፍትሕ ንምዝዛም ኣብ ሓደ ዛዕባ እናዘተየት ምንባራን ካቢኔ ሚኒስትራት እታ ሃገር ነዚ ጉዳይ ውሳነ ከምዝሃቡሉን ቐዳመይቲ ሚኒስትር ተሬሳ መይ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ 12 ስዓታት ዝወደኣ ዘተ ካቢኔ ሚኒስትራት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃባ ተሬሳ መይ እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪን ውፅኢት መግብን ምስቲ ሕብረት ጥሙር ዝኾነ ርክብ ንክህልዋ ከምዝወሰነት ገሊፀን።

እቲ ማራቶን ካቢኔ ሚኒስትራት ዝተብሃለ ኣኼባ ስምምዕ እቲ ፍትሕ ዝካየደሉ እዋን እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክኸውንን ክሳብ 29 መጋቢት 2019ዓ.ም ፈረንጂ እንተድኣ ዘይተፈፂሙ እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ተገይሩ ከምዝውሰድን ምውሳኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ናይ 12 ስዓታት ኣኼብኡ ኣብ ጉዳይ እንግሊዝ ምስ ሕብረት ዝህልዋ ርክብን ዝምድናን ጥራይ ከምዝዘተየ ድማ ቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።