ንግዳዊ ኲናት ኣሜሪካን ቻይናን ንዕቤት ቐጠባ ዓለም ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ…

መቐለ ሰነ 10/2010(ድወት) ኣብ መንጐ ሃገራት ቻይናን ኣሜሪካን ዝተጀመረ ንግዳዊ ዂናት ኣብ ዕቤት ቑጠባ ዓለም ኣሉታዊ ፅልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ኽልቲኤን ሃገራት ነናብ እተን ሃገራት ኣብ ዝኣተዉ ምህርታት ተወሳኺ ቐረፅ ብምውሳኽ ዘለወን ንግዳዊ ልውውጥ ናብ ተፃበኦታት የምርሓአ ከምዘለዋ CGTN ፀብፂቡ።

ቅድሚ ዉሱናት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ 50ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኣትዉ ምህርትታት ቻይና ተወሳኺ ቐረፅ ዘንበረት ኣሜሪካ ቻይና ድማ ዓፀፋዊ ምላሽ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ 50ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ ኣሜሪካ ናብ ቻይና እንትኣቱ ተመሳሳሊ ተወሳኺ ቐረፅ ክንበረሉ ጌራ ኣላ።

ተንተንቲ ስነ-ቑጠባ ከምዝገለፅዎ ድማ ኣብ መንጐ ገዚፍ ቑጠባ ዓለም ዝወነና ኽልተ ሃገራት ዝተጀመረ ንግዳዊ ዂናት ኣብ ዕቤት ቑጠባ እተን ሃገራት ዘሕድሮ ፅልዋ ሓሊፉ ኣብ ዕቤት ቑጠባ ዓለም እውን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕድር ገሊፆም።