ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምጥንኻር ዲፕሎማሲ ሃገርና…

መቐለ ሰነ 06/2010(ድወት) ዲፕሎማሰያዊ ምትሕብባር ሃገርና ንምምሕያሽ መራኸብቲ ሓፋሽ ሚዛናዊ ሓበሬታት ከቃልሑ ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሃገርናን ግደ ሚድያታትን ዝብል ስልጠና ንጋዜጠኛታት ሃገርና ስልጠናታት ሂቡ።

ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸባ ዲኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሓንቲ ሃገር ንምዕባይ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪበን።

ዝረኣዩ ፀገማትን ብሉፃት ሰራሕተን መሰረት ጌሮም ዘቃልሕዎም ዜናታት ሚዛናዊ ከኮኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን ።

መምህር ጋዜጠኝነት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቶን ቪን ብወገኖም መራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፤ ሕብረተሰብ ምስ ሕብረተሰብ፣ መንግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ዘራኽቡ ድልድላት ምዃኖም ገሊፆም።