ግብፂ ድልየት ልምዓት ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ድልዉቲ እያ…

መቐለ ሰነ 05/2010(ድወት) ግብፂ ድልየት መሰረተ-ልምዓት፣ ድሕንነትን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ስትራቴጂካዊ ርክብ ከምተጠናኽር ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደልፋታህ ኣልሲሲ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብወገና ንግብፂ ንምጉዳእ ድልየት ከምዘይብላ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ኽልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኽልቲኣዊ ከባቢያውን ኣህጉራውን ጉዳያት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ድማ ተገሊፁ።

ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደልፋታህ ኣልሲሲ ከምዝበልዎ ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት መትከል ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዝሓዘ እዩ ድልየት ግብፂ ድማ ሓበራዊ ረብሓ ኽልቲኤን ሃገራት ምርግጋፅ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ግብፂ ተሰጉሞ ፖሊሲ ድልየት ኢትዮጵያ ኢሉ’ውን ድሕንነትን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዝደንት ሃገሮም ድልየት ምልማዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ሓቢሮም።