ናይጀርያን ሞሮኮን ርክበን ክጠናኽር ተስማዕሚዐን…

መቐለ ሰነ 05/2010(ድወት) ሃገራት ናይጀርያን ሞሮኮን ቑጠባዊ ርክበን ንምጥንኻር ዝጀመረኦ ህንፀት ሓበራዊ ሻምባቆ መመሓለፊ ነዳዲ ብቐፃልነት ንምህናፅ ኣብ ስምምዕ በፂሔን።

ኣብ 2016ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ሞሮኮ ራባት ዝተፈራረመኦ ስምምዕ ንምጥንኻርን ንምቕፃልን ኣብ ስምምዕ ዝበፅሓ ኽልቲኤን ሃገራት ብቐፃሊ ህንፀቱ ኣብዝዛዘመሉ ጉዳይ መራሕቲ ኽልቲኤን ሃገራት ከምዝተዛተዩ ድማ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

ልዕሊ 5ሽሕን 660 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዝሽፍን እቲ ካብ ናይጀርያ ናብ ሞሮኮ ዝዝርጋሕ መስመር መመሓለፊ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ህንፀቱ ዝዛዘም እዩ።

ዝለዓለ ቑጠባዊ ምትእስሳር ዝፈጥር እቲ ፕሮጀክት ካብ ኽልቲኤን ሃገራት ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ምዕራብን ሰሜን ኣፍሪካ ቑጠባዊ ውህደት ንምፍጣር በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ።