ኢትዮጵያውያን ተቀማጦ ዩጋንዳ ኣብ ሃገሮምሩ ኢንቨስት ክገብሩ ድሌት ኣርእዮም

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኢንቨስትመንት ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኡጋንዳ ኪምፓላ ምስ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ዘትዮም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት እንተተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ኢንቨስት ክገብሩ ድሌት ከምዘለዎም እዮም ዝገለፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኡጋንዳ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።