ኦስትርያ 7 መሳጊድ ክትዓፁ ምኳና ገሊፃ።

መቐለ ሰነ 02/2010(ድወት) እታ ሃገር ክትዓፅዮም ሓሲባ ዘላ መሳጊድ ብናይ ወፃኢ ትካላት ዝድጎሙ ኣብያተ እምነት ምዃኖም ሓቢራ ኣላ።

መራሒ እታ ሃገር ሰባስትያን ከርዝ ከምዝሓበርዎ እቶም መሳጊድ ካብ ቤተ እምነት ወፃኢ ማእኸላት ፓለቲካ ይኾኑ ከምዘለው ሓቢሮም።

እቶም መሳጊድ ምስ ፓለቲካ ቱርኪ ምትእስሳር ከምዘለዎምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኽሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እንትካየድ ወታሃደራዊ ምርኢት ቱርኪ ብህፃናት ኣመንቲ ክቐርብ ከምዝኸኣለን ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኦስትርያ ካልኦት ማእኸላት ፓለቲካ እናኾኑ እዮም ንዝበሎም መሳጊድ ኢማማትን ንምእጋድ ምስ ማሕበረሰብ ሙስሊም እታ ሃገር እናሰራሕኹ እየ ኢሉ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘለው 260 ኢማማት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም 60 ምርመራ ከምዝጀመረ ሓቢሩ ኣሎ።ካብዚኦም እቶም 40 ምስ መንግስቲ ቱርኪ ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉን ፅንፈኛ ኣተሓሳስባ ዘሰጉሙ ምዃኖምን መንግስቲ ኦስትርያ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ኦስትርያ ዘርኢ ሓረጎም ካብ ቱርኪ ዝምዘዙ ኣስታት 600ሽሕ ዝኾኑ ኣመንቲ መስሊም ከምዘለው ተሓቢሩ።