ዓውዲ ሕርሻ ኣፍሪካ ንምዝማን ይስራሕ ኣሎ

መቐለ ግንቦት 22/2010(ድወት) ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ብቴክኖሎጂ ምድጋፍ ቁልፊ ነገር ከምዝኾነ ባንኪ ዓለም ገሊፁ።

በዓል ሞያ ቁጠባ ትካል ባንኪ ዓለም ለዲሲ ቼንጉል ቴክኖሎጂ ዓውዲ ቁጠባ ሕርሻ ንምዕባይን መፍረያይነት ውሕስ ንምግባርን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዲጂታል ኮንፈረንስ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓቢሮም።

ዓውዲ ሕርሻ እታ ኣህጉር ኣብ ሒደት ዓመታት ለውጢ ዋላኳ እንተርኣየ ኣብ ዝተወሰኑ ክፍላት እታ ኣህጉር ግን ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ገሊፆም።

እዚ ዓውዲ ንምዕባይን ለውጢ ንምምፃእን ብቴክናሎጂ ምሕጋዝ ናይ ግድን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ከምትራክተር ዝኣመሰሉ ዘመነዎት መሳሪሕታት ሕርሻ ምጥቃም ከምዘድሊ ብምሕባር ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምትእትታው ኬንያ፣ሩዋንዳን ኡጋንዳን ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ከምዝስረዓ ለዲሲ ቼንጉል ገሊፆም።