ሕቶ ሕብረተሰብ ብሓዱሽ ኣሰራርሓ ምምላስ የድሊ… ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ…

መቐለ ግንቦት 07/2010(ድወት) ኣብ ሃገርና ሐዚ ዝረኣ ዘሎ ሃገራዊ ምንቅቃሕ ንምጥቃምን ብቐፃሊ ንምስጓምን ሕቶ ሕብረተሰብ ብሓዱሽ ኣሰራርሓ ምምላስ ከምዘድሊ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሃገርና ምስ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትራት፣ ሚኒስትራት ዲኤታን ዋና ዳይረክተራትን ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ዘትዮም።

ዶክተር ኣብይ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዝረኣ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ሕብረተሰባዊ ምንቅቓሕ እኳ እንተሃለወ ኣብ ሓፂር እዋን መልሲ ክወሃቦም ዝግብኦም ብርክት ዝበሉ ፀገማት ኣለዉ።

እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ዝተለመደ ነባር ኣሰራርሓ ምኽታል መፍትሒ ከምዘይኸውን ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ሐዚ ንዘሎ ድልየትን ለውጥን ሕብረተሰብ ምፍታሕ ዘየኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ብዝሓሸን ቕልጡፍን ሜላ ምውጋን ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ንዘተ መበገሲ ዝኸውን ፅሑፍ ዘቕረቡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትልሚ ስራሕ ካብ ምውፃእ ጀሚሩ ክሳብ ምዝዛም ኣብ ዘሎ ግዜ ብኽንደይ ዝኣክል ግዜን ወፃኢን ክስራሕ ከምዘለዎ መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ሃገርና ዘመናዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ካብ ምትግባርን ውፅኢታዊ ካብ ምግባርን ኣንፃር ፀገማት ዘለዉዎ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር ስርዓት ኣሰራርሓ ሳይንሳዊ መንገዲ ዝተኸተለ ምግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።