ካብ ንግዲ ወፃኢ 2.1ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ…

መቐለ ግንቦት 02/2010(ድወት) ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ሓፈሻዊ ፍርያት ንግዲ ልዕሊ 2.1ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ሚኒስትር ንግዲ ኣፍሊጡ።

ርክብ ህዝቢ እቱ ሚኒስትር ከምዘፍለጦ ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ኣእኻል ቅብኢ፣ ኣጭርቅትን ፣እታወታት ኬሚካልን ኮንስትራክሽንን ከምኡ እውን ቡንን ወርቅን ሰደድ ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2.1ቢልዮን ዶላር እቶት ተረኺቡ እዩ።

ፍፃመ እዚ እቶት ካብ ትልሚ 57ሚኢታዊ እንትኸውን ካብ ሕሉፍ ዓመት ድማ ብልዕሊ 83.3ሚልዮን ዶላር ዝወሰኸ አዩ።

ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ፅሬት ሰደድ፣ ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ምክልኻል ብቐንዱ ክሰርሓሉ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ ኣሎ።

ምእንተ እዚ ክሳብ ጣብያታት ዝዘለቐ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ዘይሕጋዊ ንግዲ ተጣይሽ ስራሕቲ ኽትትል ይግበር ምህላዉ ድማ ሓቢሩ።

ብዜካ እዚ ሕፅረት ስርናይ ውሽጢ ዓዲ ንምፍታሕ ልዕሊ 555ሽሕ ኩንታል ስርናይ ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምእታው ከምዝርከብ እውን ገሊፁ ኣሎ እቱ ሚኒስትር።