ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ቕፅዓት ኣመሓላሊፉ…

መቐለ ሚያዝያ 23/2010(ድወት) ኣብ መበል 22 ሰሙን ግጥማት ፕሪሜሪሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ሞንጐ ጋንታታት መከላከያን ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ዝተኻየደ ፀዋታ ከምዝተቋረፀ ዝፍለጥ እዩ።

ገለ ተፃወቲ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን መራሒ እታ ጋንታን ጋንታ መከላከያ ንዘቑፀረታ ኻልኣይቲ ሽቶ ብምቕዋም ምስ ዳይና እቲ ዕለት ዘይምቅድዳው ፈጢሮም እቲ ፀዋታ ንክቋረፅ እውን ምኽንያት ኮይኖም እዮም።

ነዚ ስዒቡ ፈፃሚ ስራሕ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ውሳነታት ከምዘሕለፈ ንስፖርት ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብዝለኣኾ ደብዳቤ ገሊፁ ኣሎ።

በዚ መሰረት ንመራሒ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣይተ ማሩ ገብረፃድቕ ካብ ስርሖም ክእገዱ እንትውስን ንዳይና ዝኸበቡ ተፃወቲ እታ ጋንታ እውን መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ደገፍቲ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ንዘርኣይዎ ትዕግስትን ስፖርታዊ ጨዋነትን ናእድኡ ገሊፁ ኣሎ።