ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ዕዳጋ ቡን ክትቆፃፀር ትኽእል እያ…

መቐለ ሚያዝያ 12/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ እዋን ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ቡን ንምቁፅፃር ዘኽእል ሰፊሕ ዕድል ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ዳይረክተር ማእኸል ምርምር ሕርሻ ጅማ ኣይተ ኣሸናፊ ኣያኖ ከምዝገለፅዎ ብብርኪ ዓለም ቑፅሪ ተጠቀምቲ ቡን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይውስኽ ብምህላዉ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ እዋን ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ቡን ንምቁፅፃር ዘኽእል ሰፊሕ ዕድል ከምዘለዋ ምግላፆም ንኢዜኣ ፀሪሑ ኦል ኣፍሪካ ፀብፂቡ።

ኣይተ ኣሸናፊ ብተወሳኺ ከምእኒ ብራዚል ዝበላ ሰፊሕ ምህርቲ ቡን ዘፍርያ ሃገራት ኣብዚ ሐዚ እዋን ምህርተን ንከመሓይሻ ዘገድድ ዝተፈላለየ ከባቢያዊ ፈተናታት ዘጋጠሞ ኮይኑ ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ ንምህርቲ ቡን ዝስማዕማዕ ምቹው ስነ-ምህዳር ኣለዋ ኢሎም።

ብራዚል 53ሚኢታዊ ምህርቲ ቡን ብምፍራይ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት እትፅራሕ ሃገር ኮይና መብዛሕትኤን ኣፍረይቲ ቡን ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝተፈላለየ ሕማማት ተቓሊዑ ምህላዉ ፀብፃብ ኦል ኣፍሪካ ኣመልኪቱ።