ምህርቲ ኢትዮጵያ 72ሽሕ ቶን ምህርቲ ኣተዓዳዲጉ

መቐለ ሚያዝያ 11/2010(ድወት) ትካል ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 72ሽሕ ቶን ምህርቲ ኣተዓዳዲጉ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዘካየዶ ዕዳጋ 3.7 ቢልዮን ቅርሺ ዋጋ ዘለዎም ምህርታት’ዩ ኣተዓዳዲጉ፡፡

ዋጋ ምህርቲ ቡን ኣብቲ ዕዳጋ ዝለዓለ ብፅሒት ከምዝነበሮ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት’ዚ 36ሽሕን 302 ቶን ቡን ብ2.5 ቢልዮን ቅርሺ፣29ሽሕን 215 ቶን ሰሊጥ ብ1.1 ቢልዮን ቅርሺ፣4ሽሕን 175 ቶን ኣዳጉራ ብ64 ሚልዮን ከምኡ’ውን 2ሽሕን 467 ቶን ማሾ ብ46 ሚልዮን ቅርሺ ኣተዓዳዲጉ’ሎ፡፡