ኣብ ኣገልግሎት ፍትሒ ዕግበት ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ሕብረተሰብ ኣብ ግልጋሎት ፍትሒ ዘለዎ ዕግበት ንምርግጋፅ ብትኹረት ይስራሕ ምህላው ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃፍቶም ታምራት ሕብረተሰብ ኣብ ግልጋሎት ፍትሒ እቲ ወረዳ ዘለዎ ዕግበት ንክዓቢ ምስቲ ሕብረተሰብ ተቐራሪቦምን ተረዳዲኦምን ይሰርሑ ምህላዎም ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ዓመት ብርክት ዝበሉ መዛግብቲ ምፅራይ ተኻይድሎም ውሳነታት ክረኽቡ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ ኣይተ ሃፍቶም ብፍላይ ምስ ውርስን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ከምኡ’ውን ተዘዋወርቲ ምድብ መጋባእያታትን ዓቀብቲ ሕጊ ናብ ጣብያታት ብምልኣኽ ሕብረተሰብ ዘውፅኦ ዝኽእል ዝነበረ ጉልበትን ገንዘብን ክቅጥብ ይግበር ምህላው ኣገንዚቦም፡፡

ብዘይካ እዚ ሕብረተሰብ ኣብ ሕግን ገበንን ዘለዎ ግንዛበ ንክዓቢ መደብ ተታሒዙ ኣስተምህሮን ስልጠናን ይወሃብ ከምዘሎን ዛጊድ ድማ ንብርክት ዝበሉ ክፍላት ሕብረተሰብ 1ይ ዙር ኣስተምህሮን ስልጠናን ከምዝተውሃበን 2ይ ዙር ድማ ኣብ ምድላው ከምዝርከቡን ኣይተ ሃፍቶም ሓቢሮም፡፡