ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ክትቅፅለሉ ይግባእ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ቐጠና ምብራቅ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ክረጋገፅ ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅለሉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቲቱ፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ምኽባር ሰላም ጄአን ፕየር ጃክሮ ኤክሲ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ዝተቐበላ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ኢትዮጵያ ኣብ ቐጠና ምብራቕ ኣፍሪካን ኣህጉረ ኣፍሪካን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ብዝምልከት ዘትየን፡፡

እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ኣብቲ እዋን ኣብ ቐጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ክሰፍን ኢትዮጵያ ትገብሮ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቅፅል ድልየት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ሰላም ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ተሳትፎን ምንቅስቓስን’ውን ንኢዶም፡፡

ልኡኽ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ ዝተውሃቦ ዓለምለኻዊ ልኡኽ ኣብ ምፍፃም ዘለዎ ብቅዓትን ቖራፅነትን ንዓለም መርኣያ ምዃኑ ድማ ኣመልኪቶም፡፡

ነቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ብወገኖም ኢትዮጵያ ሃገራት ሰላምን ምርግጋዕን ክሰፍነን ካብ ውሽጣዊ ድልየት ዝብገስ ፃዕሪ ትገብር ምዃና ድሕሪ ምግላፅ ሰላምን ምርግጋዕን እተን ሃገራት ካብ ናይ ባዕላ ሰላምን ምርግጋዕን ፈልያ ከምዘይትረአ ወ/ሮ ሂሩት ገሊፀን ክብሉ ኣመልኪቶም፡፡

ብምዃኑ ኢትዮጵያ ኣብ ቐጠና ምብራቅ ኣፍሪካ ልኡኽቶኣ ካብ ምፍፃም ብዝሰገረ ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ሰላም ንክፍጠር ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቅፅለሉ ገሊፆም፡፡