ኣሜሪካን መሻርክታ እንግሊዝን ፈረንሳይን ትሕዝቶታት መንግስቲ ሶርያ ኣጥቂዐን፡፡

መቐለ ሚያዝያ 06/2010(ድወት) መንግስቲ ሶርያ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተኩሱ 10ታት ሰባት ቀቲሉ ምስተብሃለ ቁጥዐ ሃገራት ምዕራብ ሓይሉ ፀኒሑ’ዩ፡፡

ከምውፅኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ 7ተ ዓመታት ኩናት ሕድሕድ ሶርያ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ምዕራባውያን ከምዝኮነ ዝተነገረሉ መጥቃዕቲ ፈፂመን ኣለዋ፡፡

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍፀም ንሓይሊ ምክልካል ሃገሮም ኣዚዞም ከምዝነበሩ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴለቭዥን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኣብ ከባቢ ይውማ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝተፈፀመ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ ጥዑይ ሰብ ክፍፅሞ’ዩ ኢልካ ኣይሕሰብን ሰይጣናዊ ተግባር’ዩ ብዝብል ኢዶም ናብ በሽር ኣልዓሳድ ኣወጣዊጦም ኣለው፡፡

ነዚ ስዒቡ’ውን ኣብ ከባቢ ደማስቖስ 6ተ ከበድቲ ድምፅታት ነተጉቲ ተሰሚዖም ትኪ’ውን ናብ ሰማይ ሶርያ ይዓርግ’ሎ፡፡

ጉጅለ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰል ሩስያውያን ከምዝበሎ 3ተ ማእከላት ምርምር ሳይንስ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰያ’የን፡፡

ፕረዝደንት ትራምፕ ድማ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ምፍራይን ምጥቃምን ኬሚካላዊ ኣፅዋር ሶርያ ንምዕጋት’ዩ ኢሎም፡፡

ንሩስያን ኢራንን’ውን ተሪር መልእክቲ ኣሕሊፎም ትራምፕ፡፡

ሩስያን ኢራንን እትበሃላ ሃገራት ከመይ ዓይነት ሃገር’ያ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ሰለማውያንሰባት ንዝፍፅም ኣካል ትተሓባበር ክብሉ ይሓቱ?

ቀዳመይቲ ሚኒስትር እንግሊዝ ተረዛ መይ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ስርዓት ንምቅያር ዝዓለመ ዘይኮነስ ዞባዊ ወጥሪ ንምህዳእን ሰለማውያን ሰባት ንምክልኻልን’ዩ ኢለን፡፡

እዚ ውሳነ ኢለን መይ ከምቀዳመይቲ ሚኒስትር ሰራዊተይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ ክሳተፏ እንትውስን ንፈለማ እዋን’ዩ ስለዚ ቀሊል ውሳነ ኣይኮነን ኢለን፡፡

እዚ ውሳነ ምእንተ ሃገራዊ ረብሓ ዝተውሃበ ውሳነ’ዩ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣብ ሶርያ ኣብ መንገድታት እንግሊዝ ይኹን ኣብ ካልእ ዓለም ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣይንፈቅድን ኢለን መይ፡፡

ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኖም ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ብትዕግስቲ ዝሕለፍ ኣይኮነን ምክንያቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያን ጥሙር ፀጥታናን ቀጥታዊ ሓደጋ ስለዘለዎ ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲስ ንፕረዝደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ ዘየዳግም መልእክቲ ዘሕልፍ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ምባሎም ይዝከር፡፡

ቴሌቭዥን ሶርያ ድማ እቲ ብምዕራባውያን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተፃብኦ ከምዝገጠሞን መሻርክቲ ሶርያ ዝኮና ሃገራት ሓገዝ ከምዝገበራን ገሊፃ፡፡

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቲ ዝሓኘቐ ስግኣትና ሓቂ ኮይኑ መጠንቐቕታና ንጎኒ ተገዲፏ በሉ’ሞ
ከምዚ ዓይነት ተግባር እንትፍፀም ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝክእል ኣብ ግምት ክኣቱ ሓቢርና ኔርና ኢና ኢሎም፡፡

ስለዚ ዋሽንግተን ለንደንን ፓሪስን ንፕረዝደንት ሩስያ ዘርኣይኦ ንዕቀት ሓላፍነት ክወስዳ ኣለወን፡፡

ብስሩ’ውን ቀንዲ መፍረይት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ዝኾነት ኣሜሪካ ንካልኦት ሃገራት ክትኩንን ሞራል’ውን የብላን ኢሎም፡፡