ቻይና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሓሸ ሓበራዊ መፃኢ ዕድል ትፈጥር’ያ

መቐለ ሚያዝያ 04/2010(ድወት) ቻይና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሓሸ መፃኢ ዕድል ንምፍጣር ዝለዓለ ግምት ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዥን ፒንግ ገሊፆም፡፡

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጥንኩር ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምዕባለ ንምፍጣር ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ቻይና እትሰርሐሉ ጉዳይ እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዝደንት በዚ ድማ ዝሓሸ መፃኢ ሓበራዊ ዕድል ዘለዎ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ከምትሰርሕ ገሊፆም፡፡

ምስ ነበር ፕረዝደንት ኪርጊስታን ኣልማዝበክ ኣታምባ የቭ ኣብ ፎረም ቦኦ ኤሽያ ዝተረኸቡ ሺ ሃገሮም ምስ ኪርጊይስታን ዘለዎ 2ቲኣዊ ርክብ ከምተጠናክር ሓቢሮም፡፡

ሃገራት ቻይናን ኩርጊይስታንን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ዝተጠናኸረ ርክብ ከምዘለዎን ዝገለፁ ነበር ፕረዝደንት ኪርጊይስታን ኣልማዝበል ኣታምባ የቭ ብወገኖም ሃገሮም ስሉጥ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕቤት ንክተመዝግብ ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ንኢዶም፡፡