ቐዳማይ ሚኒስትር ፍልስጤም ራሚ ሓማዳላህ ፈተነ ቕትለት ተገይርሎም

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) ቐዳማይ ሚኒስትር ፍልስጤም ራሚ ሓማዳላህ ናብ ጋዛ እንትኣትዉ ፈተነ ቕትለት ከምዝተፈተነሎም ተሓቢሩ።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፈተነ ቕትለት ዝተገበረሎም ኣብ ጋዛ ዝተሃነፀ መፃረይ ማይ ንምምራቕ ናብቲ ከባቢ እንትከዱ እዩ።

ሓላፊ ጉዳያት ድሕንነት ፍልስጤም ማጂድ ፋራጅ እዉን ከምዝነበሩን ብዘይካ ኣብ ሓሙሽተ ሰባት ዝበፅሐ ቐሊል ጉድኣት ኣብቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት መሓሙድ ዓባስ ብጉጅለ ሓማስ ዝተፈተነ ዘሕፍር ተግባር ብምባል እንትኹንንዎ ኣብዚ ዛዕባ ንምምኻር ብህፁፅ ኣኼባ ከብ ዝፅዉዑ ተገሊፁ።