ፕሮጀክት ትምህርቲ ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ ብልዕሊ 2.8 ሚልዮን ቅርሺ ወፃኢ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ትምህርቲ ንምስላጥ ዘኽእል ምንቅስቓስ ይግበር ምህላው ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ መምህር ገብረኪዳን በርሀ ከምዝገለፅዎ ካብቲ ዝተመደበ በጀት 2 ሚልዮን ቅርሺ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተረፈ 864,000 ቅርሺ ድማ ብምምሕዳር እታ ወረዳ ዝተሸፈነ እዩ፡፡

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ትግራይ ብዝመደቦ 2 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰላም ደረጅኡ ዝሓለወ ቤተ ፈተነን ቤተ ንባብን ንምህናፅ ምንቅስቃስ እናተገበረ ምዃኑ መምህር ገብረኪዳን ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ብበጀት እታ ወረዳ ኣብ ጣብያ ቀላቕል ኣብ ዝርከብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ስሑል 4 ተወሰኽቲ ክፍልታት መምሀሪ ንምህናፅ መደብ ተታሒዙ ይስራሕ ምህላው እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ህንፀት ፕሮጀክትታት ትምህርቲ መንግስቲ ካብ ዝመደቦ በጀት ብተወሳኺ ነበርቲ እቲ ከባቢ ጉልበታውን ንዋታውን ኣበርክቶ ክገብሩ ትፅቢት ከምዘሎ መምህር ገብረኪዳን ተዛሪቦም፡፡