ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) መበል24 ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ዶብ ብሓባር ዝዝትየሉ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሪክተር ጀነራል ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ኢጋድን ኣምባሳደር መሓመድ ድሪል ከምዝበልዎ ርክብ ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብምዃኑ መበል 24 ሓበራዊ ጉባኤ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ጅቡቲ ንምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብታት 2ቲኤን ሃገራት ዝሕግዙ ጠቐምቲ ሓሳባት ዝፍልፍልሉ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ መድረኽ 2ቲኤን ሃገራት ክሳብ ሐዚ ዘመዝገበኦም ዓወታት ብዝበለፀ ዘጎልብትን ሓበራዊ ፀገመን ፈልየን መፍትሒ ንምቕማጥ ኣንፈታት ዘነፀራሉን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ፡፡

እቲ ኣኼባ ኣብ ጉዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣፅዋርን ኮንትሮባንድን ዶባዊ ንግድን ትኩረት ከምዝገብር ድማ ተገሊፁ፡፡

ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ኢትዮ-ጅቡቲ ማሕበራዊን ቑጠባውን ምትእስሳረን ብዝበለፀ ንምጥንካር እናተሰርሐ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

መበል 24 ሓበራዊ ጉባኤ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ጅቡቲ ክሳብ 6 መጋቢት 2010 ከምዝካየድ ድማ ተሓቢሩ፡፡