ፈረንሳይ ሓዱሽ ፕሮጀክት ተሓዳሲ ሓይሊ ከምዝጀመረት ተገሊፁ፡፡

መቐለ መጋቢት 04/2010(ድወት) ፈረንሳይ ካብ ተሓዳሲ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ 700 ሚልዮን ዩሮ መዲባ ሓዱሽ ፕሮጀክት ሓይሊ ፀሓይ ከምዝጀመረት ተገሊፁ፡፡

ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ሃገሮም ኣብ ዓውደ ኢንቨስትመንት ተሓዳሲ ሓይሊ ትኹረት ጌራ ከምትሰርሕ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብዝግባእ ብምርዳእ መፍትሒ የድሊ ክብሉ ዝገለፁ ማክሮን ነዚ ድማ መፃኢ ጠለብ ሓይሊ ውሕስ ከባቢ ኣየር ንምፍጣር ዝሕግዝ ተሓዳሲ ሓይሊ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እታ ሃገር ሐዚ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ተሓዳሲ ሓይሊ ብቐፃሊ እውን ብምጥንኻር ክሳብ 2022ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘለው ዓመታት ተወሳኺ ልዕሊ 861.5ሚልዮን ዶላር ኢንቨስት ከምትገብር ገሊፆም፡፡

ፈረንሳይ ኣብ 2015ዓ.ም.ፈ ኣብ ፓሪስ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ምንካይ ናብ ከባቢ ኣየር ዝልቀቕ መጠን ካርበንዳይ ኦክሳይድ ክሳብ 2030ዓ.ም.ፈ ትጥቐመሉ ሓይሊ እቲ 40 ሚኢታዊ ካብ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምግባር ተሊማ ትሰርሕ ከምዘላ ፀብፃባት የመልክቱ፡፡