ርክብ ኢትዮጵያን ፊንላድን ንምጥንኻር የስራሕ ኣሎ

መቐለ መጋቢት 03/2010(ድወት) ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ምስ ሚኒስተር ንግዲ ወፃኢን ልምዓትን ፊንላንድ ዘትዮም።

ዶክተር ኣክሊሉ ንሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ልምዓትን ፊንላንድ ኣኒ ማሪ ቪሮሊኔን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ኣለዉ።

ኢትዮጵያን ፊንላንድን ስጡም ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ምዃነን ኣብቲ እዋን ዝገለፁ ዶክተር ኣክሊሉ፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ እውን ከጠናኽራ ይግባእ ኢሎም።

መንግስቲ ፊንላንድ ንዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ እውን ዶክተር ኣክሊሉ ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ማእኸላይ እቶት ናብ ዘለወን ሃገራት ተርታ ንምፅንባር ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፁ ዶክተር ኣክሊሉ፤ ማእኸል ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምዃና፣ ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ዘለዋ፤ ሕሳርን ተሓዳሲን ሓይሊ እትጥቀምን ንማእኸላይ ምብራቕን ዕዳጋታት ኣውሮፓን ቕርበት ዘለዋ ምዃና ንኢንቨስትመንት ምችውቲን ተመራፂትን ምዃና ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ሰብ ሃብቲ ፊንላንድ መዋእለ ንዋዮ እንተውፊሮም ውፅኢታውያን ከምዝኾኑ ዶክተር ኣክሊሉ ገሊፆም።

ሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ልምዓትን ፊንላንድን ኣኒ ማሪ ቪሮሊኔን ብወገነን ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ኣበ ዓውዲታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዋ ርክብ ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ንዕብየት ልምዓትን ዲሞክራሲን እትገብሮ ምንቅስቓስ ፊንላንድ ሓገዝ ክትገብር እያ ኢለን።

ሰብ ሃብቲ ፊንላንድ ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ፅሬት፤ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሕርሻን ሃፍቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍሩ ይደልዩ እዮም ኢለን እተን ሚኒስትር።ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ።