ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ይሳተፋ ዘለዋ ጋንታታት ክልልና ሽረን ኣኽሱምን ሎሚ ምስ መጋጥምተን ክራኸባ እየን።

መቐለ ለካቲት 29/2010(ድወት) ሽረን ኣኽሱምን ሎሚ ምስ መጋጥምተን ክራኸባ እየን።

ብመሰረት እዚ ካብ 11 ግጥማት 18 ነጥቢ ብምሓዝ ኣብ 6ይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ጋንታ ሽረ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስዓት 10 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ወሎ ኮምቦልቻ ክትራኸብ እያ።

ካብ 10 ፀዋታ ብ12 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ ጋንታ ከተማ ኣኽሱም ብወገና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኣማራ ውሃ ስራዎች ፀዋታኣ ክተሳልጥ እያ።