ኣብ ኮንፈደሬሽን ፅዋዕ ኣፍሪካ ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወላይታድቻ ትማሊ .....

መቐለ ለካቲት 29/2010(ድወት) ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወላይታድቻ ትማሊ ኣብ ቐዳማይ እግሪ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ምስ ግብፃዊት ጋንታ ዛማሊክ ተራኺባ 2ን1 ተዓዊታ።

ኣብ ስታድዮም ሃዋሳ ምስ ዛማሊክ ዝተራኸበት ወላይታድቻ ብሽቶታት ብዛብህ መለዮን ያሬድ ዳዊትን እያ ኽልተ ንሓደ ተዓዊታ ዘላ።

ንዛማሊክ ብሕታዊት ካብ ስዕረት ዘየናገፈታ ሽቶ ዘቑፀረ ኢማድ ፍቲህ እዩ።

ናይ መልሲ ፀዋታ ኽልቲኤን ጋንታታት ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኣብ ግብፂ ክካየድ እዩ።

እዚ ከምኢ እናሃለወ ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪካ ትሳተፍ ዘላ ቅዱስጊዮርጊስ ብወገና ሜድኣ ቅድሚ ደገፍታን ምስ ጋንታ ኡጋንዳ ኬሲሲኤ ተራኺባ ኣብዘካየደቶ ፀዋታ ማዕረ ባዶ ንባዶ ተፈላልያ።