ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መልሲ ፀዋታ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ቶቶንሃም ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኮይና።

መቐለ ለካቲት 29/2010(ድወት) ማንችስተር ሲቲ ስዕረት ኣብዘመዝገበትሉ ፀዋታ ብድማር ውፅኢታ ናብ ቐፃሊ ዙርያ ሓሊፋ።

ኣብ ሜድኣን ቅድሚ ደገፍታን ኣብ ኢቲሃድ ንጋንታ ሲዊዘርላንድ ባዝል ዝኣንገደት ማንችስተር ሲቲ 2ን1 እያ ተሳዒራ።

ንማንችስተር ሲቲ ጋብርኤል ጁሱስ ንባዛል መሓመድ ኢል ዮንሲን ማይክል ላንግን ሽቶ ዘቑፀሩ ተፃውቲ እዮም።

ማንችስተር ሲቲ ኣብ ቐዳማይ እግሪ ፀዋታ ንባዝል 4ን0 ስዒራ ምስቲ ምንባራ ብድማር ውፅኢት 5ን2 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ ኣላ።

ኣብ ኻልእ ፀዋታ ጂቬንትስ ካብ ድሕሪት ተላዒላ ንቶቶንሃም 2ን1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ በፂሓ።

ንቶቶንሃም ሳን ሁንግህ ሚን
ንጁቬንትስ ጎንዛሎ ሂግዌይን ከምኡ’ውን ዲያባላ ሽቶ ዘቑፀሩ ተፃውቲ እዮም።

ኽልቲኤን ጋንታታት ኣብ ቐዳማይ እግሪ ፀዋታ ማዕረ 2ን2 ተፈላልየን ምስቲ ምንባረን ብድማር ውፅኢት ጣልያናዊት ጋንታ ጂቬንትስ 4ን3 ብምስዓር ናብ ፀዋታ ርብዒ ፍፃመ ንክተሓልፍ ኣኽኢልዋ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እንሃለወ ሎሚ ኣብ ቐዳማይ እግሪ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ጣልያን ኣርሰናል ምስ ኤስሚላን ምሸት ስዓት ሰለስተ ክራኸባ እየን።