ዙማ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ኣብ ጫፍ በፂሖም

መቐለ ለካቲት 06/2010(ድወት) ላዕለዎት ኣመራርሓ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ምውራድ ስልጣን ፕረዝደንት ጃኮብ ዙማ ኣኼባ የካይዱ ከምዘለው ተሓቢሩ፡፡

ካብ ቐረብ እዋን ናብዚ ካብ ዘለዎም ስልጣን ፕረዝደንትነት ንክወርዱ ሕቶን ፅዕንቶን ይበፅሖም ዘሎ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ ብፍላይ ኣቦ ወንበርነት ውድብ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ(ANC) ንምክትሎም ዝነበሩ ሰሪል ራማፎሳ ካብ ዘረኽቡ ናብዚ ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ካብ ፈፃሚት ስራሕ እቲ ውድብ ከይተረፈ ፅዕንቶ ይበፅሖም ከምዘሎ BBC ገሊፁ፡፡

ኮረስፓንደንት BBC ኣፍሪካ ኣንድሪው ሃርዲንግ ካብ ጀሃንሰበርግ ከምዝፀብፀቦ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ ነቶም ፕረዝደንት ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ፡፡

ኣቦወንበር እቲ ውድብ ስሪል ራማፎሰ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ጉዳይ እቶም ፕረዝደንት ኣብታ ሃገር ፀገም ሓድነትን ዘይምስምዕማዕን ፈጢሩ ከምዘሎ ምግላፆም BBC ኣዘኻኺሩ፡፡

ሐዚ እቶም ፕረዝደንት ካብ ሓላፍነቶም ንምውራድ ኣብ ፕረቶርያ ዝካየድ ዘሎ 112 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ዘለውዎ ኣኼባ ድማ ብሎስከ ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ቅድሚ ውሱናት ደቓይቕ ዝወፁ ዘለው ሓበሬታታት ከምዘመላኽትዎ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ANC ን13 ሰዓታት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ፡፡