ሽግ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኹለን ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ትዘዋወር ኣላ…

መቐለ ለካቲት 04/2010(ድወት) ዓብይ ግድብ ህዳሰ ሃገርና ሓድነትና ዘጠናኽር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ቑጠባዊ ዕብየት ዘሰጋግር ከምዝኾነ ነበርቲ ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ከተማ ሰቲት ሑመራን ገሊፆም፡፡

እቶም ነበርቲ ነዚ ዝገለፁ ሽግ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ካብ ወረዳ ፀገዴ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ እንተሳለጡ ዕድጊት ቦንድ እውን ኣሳሊጦም እዮም፡፡

እቲ ሽግ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ክልልና እንትትኣቱ ኣብ ከተማ ዳንሻ ፈላማይ ድሙቅ ኣቀባብላን ዕድጊት ቦንድን ዝተኻየደ ኾይኑ፣ ብተመሳሳሊ ወረዳ ቓፍታ ሑመራ’ውን ቦንድ ዕድጊት ብምስላጥ ተቀቢሎምዋ እዮም፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ወረዳ ቓፍታ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት በቶም ነበርቲ ዕድጊት ቦንድ ልዕሊ 4ሚእቲ ሽሕን 4ሚኢትን ቅርሺ ዕድጊት ቦንድ ከምዝተሳለጠ ምኽትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ቃፍታ አይተ ገዛኢ ደነው አረጋጊፆም፡፡

ሽግ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ሃገርና ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣይተ ኣለሙ ኣየነው ብወገኖም ነበርቲ ከተማ ሰቲት ሑመራ እምነ ኹርናዕ ካብ ዝተነበረሉ ጀሚሩ ህንፀቱ ንኽሳለጥ ዜግነታዊ ግቡኦም እናበርከቱ ከምዝፀንሑ ሓቢሮም፡፡

ሐዚ እውን ንሽግ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ሃገርና ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ እንተሳልጡ ዕድጊት ቦንድ ልዕሊ 647ሽሕ ዕድጊት ቦንድ ከምዝተኻየደን ብቐፃሊ ድማ ዕድጊት ቦንድ ንምፍፃም ቃል ከምዝተኣተወን ኣፍሊጦም፡፡