እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣየር ሶርያ ደብዳብ ኣካይዳ…

መቐለ ለካቲት 04/2010(ድወት) እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣየር ሶርያ ኸቢድ ዝብሃል ደብዳብ ከምዝካየደት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣየር ሶርያ መጥቓዕቲ ደብዳብ ኣየር ዘካየደት ሓንቲ ነፋሪት ውግእ እስራኤል ብሓይሊ ኣየር ሶርያ ተወቂዓ ምስ ወደቐት እዩ።

እስራኤል ዝወሰደቶ ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ እታ ሃገር ድሕሪ ኣብ 1982ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ኹናት ሊባኖስ ዘካየደቶ ደብዳብ ውፅኢታውን ኸቢድን ምዃኑ ድማ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ጀነራል ቶመር ባር ገሊፆም።

F-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ዝወደቐታ እስራኤል ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እስራኤል ብፓራሹት ተሓጊዞም ብሰላም ከምዝወረዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።