ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ግብፂ ዑደት ከካይዱ እዮም…

መቐለ ጥሪ 06/2010(ድወት) ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዝመፅእ ሶኒ ጀሚሩ ኣብ ግብፂ ዑደት ከካይዱ እዮም።

ንሰለስተ መዓልትታት ዝካየድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ መዘነኦም ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደል ፋታህ ኣልሲሲ ኣብ ኽልቲኣዊ፣ ከባብያውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክዝትዩ እዮም።

ኣብ ኻልኣይ መዓልቲ ዑደት እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፓርላማ ግብፂ ተረኺቦም ዘረባ ከስምዑ እዮም ክብል ድማ FBC ንጋዜጣ ግብፂ ኣልማስሪ ኣልዮም ፀሪሑ ፀብፂቡ ኣሎ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብ ዑደቶም ምስ ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደል ፋታህ ኣልሲሲ ኣብ ዙርያ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከምዝዝትዩ ተፈሊጡ።

ካብዚ ሓሊፉ ግብፂ ኣብ ዙርያ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለም ከዛትየና ኣለዎ ዝብል ቕዋማ እንታይ ምዃኑ መብርሂ ንክትህበሉ ከምዝዝትይሉ ድማ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሓዊሱ ኻልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ግብፂ ኣብዝካየድ ዑደት ዝሳተፉ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ እዮም።