132 ደረጀኦም ዝሓለዉ ሆቴላት ተዳልዮም…

መቐለ ጥሪ 06/2010(ድወት) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተዓደሙ መራሕቲ ንምትእንጋድ 132 ደረጀኦም ዝሓለዉ ሆቴላት ከምዝተዳለዉ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዝካየድ መበል 30 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ዝመፁ ኣጋይሽ ብተመጣጣኒ ዋጋ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ምስ ሰብ ዋና ሆቴላት ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይረክተር ኣገልግሎት ብቕዓት በፃሕቲ ዓድን ምርግጋፅ ደረጃን ኣይተ ቴድሮስ ደርብ ንኢዜኣ ከምዝሓበርዎ ደረጃን ፅሬትን ሆቴላት ንምሕላው ዝካየድ ስራሕቲ ገምጋም ብዘላቕነት እናተኻየደ እዩ።

እቶም ሆቴላት ፅሬት ዘለዎ ምችው ኣገልግሎት ንክህቡ ደረጃ ኮኾብ ካብ ዘለዎም ብተወሳኺ ሓደሽትን ደረጃ ዘይተውሃቦምን ሆቴላት’ውን ቅድመ ምድላው ተወጊኑ ኣሎ።

ካብ 14 ክሳብ 22 ጥሪ 2010ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መበል 30 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ እቲ ሕብረት መራሕቲ ኻልኦት ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ትካላት ከምዝዕደሙ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።