ትራምፕ ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም ጉጅለ ኣምባሳደራት ኣፍሪካ…

መቐለ ጥሪ 06/2010(ድወት) ጉጅለ ኣምባሳደራት ኣፍሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዘስምዕዎ ዘረባ ይቕረታ ክሓቱ ከምዘለዎም ሓቲቶም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብስሩዕ ይቕረታ ክሓቱ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ጉጅለ ኣምባሳደራት ትራምፕ ዘስምዕዎ ዘርኣውነት ዘለዓዕል ዘረባ ብፍላይ ንዜጋታት ሃገራት ኣፍሪካን ካረብያንን ዘነፃፀረ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ጋና ማርታ ኣማ ኣካያ ፓሌ ከምዝበልኦ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንዘርኣውነትን ዓሌታዊ ኣፈላላይ ዘነፃፀረ ዘይተኣርነበ ዘረባ እዩ ክብላ ገሊፀን።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ኣባላት ሪፓብሊካንን ዲሞክራቲክን ነቐፌታ ይበፅሖም ከምዘሎ ፀብፃባት የመልክቱ።