ደቡብ ኣፍሪካ ንዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ትኹረት ትገብር እያ…

መቐለ ጥሪ 06/2010(ድወት) ደቡብ ኣፍሪካ ዘጋጠማ ቑጠባዊ ምዝሕሓል ንምጥንኻርን ድኽነት ንምንካይን ንዓውደ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ትኹረት ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ቑጠባዊ ዕቤት ብምጥንኻር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካውያን ዘሎ መጠን ድኽነትን ኣብታ ሃገር ዝረኣ መጠን ግዕዝይናን ንምንካይ ትኹረት ከምትገብር ሓዱሽ ዝተመረፁ ኣቦ መንበር ውድብ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ /ANC/ ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ውድብ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ /ANC/ ስሪል ራማፎሳ ከምዝበልዎ ደቡብ ኣፍሪካ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምጥንኻር ዝሓሸ ቑጠባዊ ዕቤት ክተመዝግብ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጠመተ ሂባትሉ ኣላ ኢሎም።

ንእዋናዊ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ ተኪኦም ኣቦ መንበር ውድብ ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ /ANC/ ኾይኖም ዝተመረፁ ራማፎሳ ቑጠባዊ ዕቤት እታ ሃገር ብምጥንኻር ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ኣብ መንጐ ዜጋታት ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኽፍፍል ሃፍቲ ንምፅባብን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።