ሰላም ኢትዮጵያ ዋሕስ ስደተኛታት ኮይና

መቐለ ጥሪ 05/2010(ድወት) ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ዋሕስ ይኸውን ኢሎም ኣብ ሃገርና ዝተዓቖቡ ስደተኛታት፡፡

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተዓቂቦም ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዝገለፅዎ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰላም ካብታ ሃገር ሓሊፉ ንዓኣቶም እውን ዋሕስ ህልውናኦም ምኳኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ጥራሕ ልዕሊ 65ሽሕ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓምሽተ ጣብያታት ተዓቂቦም ከምዘለው EBC ሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዜጋታት ኤርትራ፣ደቡብ ሱዳን፣ሶማልያን ካልኦት ሃገራትን ተቀቢላ ብምዕቛብ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ናእዳ ከምዝረኸበት ዝፍለጥ እዩ፡፡