ቤት ምክሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ሰላም ንምዕሳል

መቐለ ጥሪ 05/2010(ድወት) ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ከምዘተሓሳሰበ ገሊፁ፡፡

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እዚ ወርሒ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ከይረት ኣማሮቮ ከምዝገለፅዎ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ዞባ ሳሕልን ከባቢ ቃላይ ቻድን ከቢድ ተርእዮታት ግብረሽበራን ኣክራርነትን ይረአ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም 5 ሃገራት ሳሕል ዘጣየሸኦ ሓበራዊ ውዳበ ኣንፃር ግብረሽበራ ንምጥንኻር ሓገዝ ክገብር ፀዊዖም፡፡

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብዚ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ንሕፅረት መግቢ ምምዝባልን ተቃሊዑ ብምህላው ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበር ፀዊዖም፡፡

ሃገራት ብርኪናፋሶ፣ቻድ፣ማሊ፣ማውሪታንያን ኒጀርን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝንቐሳቐሱ ኣሸበርቲ ንምጥፋእ ሓበራዊ ቃልሲ የካይዳ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ፡፡