ዕብየት ምጣነ ሃብቲ ኢትዮጵያ 7.5 ተገሚቱ…

መቐለ ጥሪ 05/2010(ድወት) ኣብ 2018 ዓመተ ፈረንጂ ኢትዮጵያ ቕልጡፍ ቑጠባዊ ምዕባለ ካብ ዘመዝግባ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ገሊፁ ፕራይስ ወተር ሃውስ ኩፐር ዝተብሃለ ትካል።

እቲ ቑጠባዊ ምዕባከለ 6.7 ከም ዝዓቢ ካብ ዝተተንበየሉ ምዕባለ ቻይና ዝበለፀ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

ዴይሊ ቴሌግራፍ ንትካል ፕራይስ ወተር ሃውስ ኩፐር ፀሪሑ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ዓመተ ፈረንጂ 7.5ሚኢታዊ ቑጠባዊ ምዕባለ ብምምዝጋብ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ካብዝርከባ ሃገራት ቅድሚት ትስራዕ ሃገር ትኸውን እያ ክብል ይገልፃ።

ካብ ኢትዮጵያ ብዘይነኣኣስ መልክዑ ቑጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ህንዲ፣ ጋናን ፊሊፒንስን ከምዝዓቢ ድማ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2018 ዓመተ ፈንረጂ ካብ ዝምዝገቡ ዓሰርተ ዝበለፀ ቑጠባዊ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት እተን 8 ኣብ ኣፍሪካ ከምዝርከባ እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ።

ሓፈሻዊ ቑጠባዊ ምዕባለ ዓለምና 4ሚኢታዊ ምዃኑ ዝገለፀ ትካል ፕራይስ ወተር ሃውስ ኩፐር ናይዚ 70ሚኢታዊ ሽፋኑ ሃገራት ኤስያ፣ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ከምዝሕዝኦ ይገልፅ።

ትካል ፕራይስ ወተር ሃውስ ኩፐር በቢዓመቱ ትንበይ ቑጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ዘፅንዕ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ።