ኢትዮጵያ ንሰላም ዳርፉር ትሰርሕ ኣላ…

መቐለ ጥሪ 05/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ዳርፉር ዘላቂ ሰላም ንክዓስል እትገብሮ ፃዕርን ድጋፍን ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሓቢራ።

ኣብ ዳርፉር ዘላቂ ሰላም ንክዓስል መንግስቲ ሱዳን ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ዝገለፁ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቐዋሚ መልእኽተኛን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ተቀዳ ኣለሙ እዮም።

ልኡኽ ዳርፉር መሰረት ገይሩ ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ፀብፃብ እንትቐርብ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰላም እናተመሓየሸ ምዃኑን መንግስቲ ሱዳን የበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ምዃኑን ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎምን እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርኣ ተደጋጋሚ ጐንፂ ብምትራፍ ዘላቂ ሰላም ንክዓስል ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎን እዮም ሓቢሮም እቶም ኣምባሳደር።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ቅድሚ ውሱን ዓመታት ኣብ ኳታር ዶሃ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ክኽብሩ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም እዮም ኣምባሳደር ተቀዳ።

ኣብ ከባቢ ምዕራብ ኣፍሪካ፣ ሳሕልን ቻድን ዘለዉ ዞባዊ ኹነታት ኢትዮጵያ ከምዘተሓሳስባን እዚ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ቃልስን ፃዕርን ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክህብ ሓቲቶም እቶም ኣምባሳደር።