ትራምፕ ይቕረታ ይሕተቱ ኢሉ ሕብረት ኣፍሪካ….

መቐለ ጥሪ 05/2010(ድወት) ዶናልድ ትራምፕ ንዝተጠቐሙሉ ፀይፍ ቃል ይቕረታ ክሓቱ ፀዊዑ ሕብረት ኣፍሪካ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኣፍሪካውያን መግለፂ ዝተጠቐሙሉ ፀይፍ ቃል ካብ ሓደ መራሒ ይኹን ዝኾነ ፍጡር ትፅቢት ዘይግበረሉ ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ እቲ ሕብረት።

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን ልኡዃቱን በቲ ጉዳይ ከምዝደንገፀን ብርግፅ’ውን ብምምሕዳር ትራምፕ ኣፍሪካ ተረሲዓ ምህላዋ ዘረጋግፅ እዩ ክብል ሓቢሩ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ብዕለተ ሓሙስ ኣብ ዝተሳለጠ ጉዳይ ስደተኛታት ዝጥምት ኣኼባ ዘረባ እንተስምዑ ብተደጋጋሚ ንኣፍሪካውያን ዘዳኽም ዘረባ ይዛረቡ ከምዝነበሩ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሴናተር ውድብ ዲሞክራት ዱክ ደርቢን ሓቢሮም።

ንኣፍሪካውያን “ረስሓት” ክብሉ ፀይፍ ቃል ዝተዛረቡ ትራምፕ ካብዚ ወፃኢ’ውን ዘርኣውነት ዘጥቅዖ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ይጥቀሙ ምንባሮም ተሓቢሩ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ዝተዛረብዎ ዘረባ ጥንኩር ምንባሩ ዝገልፅ ሓሳብ ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም እዮም።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝተጠቐሙሉ ፀይፍ ዘረባ ዕላዊ ይቕረታ ክሓቱ ካብዚ ዝዘለለ ድማ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ፊት ንፊት ተቐራሪበን ክዝትያ ከምዝግባእን ሓቢሩ ኣሎ።