13 ኩባንያታት ሞሮኮ ኣብ ኢትዮጵያ ከልምዑ እዮም…

መቐለ ታሕሳስ 05/2010(ድወት) 13 ኩባንያታት ሞሮኮ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከወፍሩ እዮም።

ኢትዮጵያ ገዘፍትን ተስፋ ዝህቡ ዕድላትን ፀጋታትን ከምኡ’ውን በዓልቲ ብዙሕ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ምዃና ምርዳእ ከምዝኽኣሉን ምእንተዚ መዋእለ ንዋዮም ኣብዛ ሃገር ምውፋር ዘዋፀኦም ምዃኑ ገሊፆም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ሉኡኻት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኩባንያታት ሞሮኮ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሞሮኮን እናተጠናኸረ ይኸይድ ንዘሎ ኹለ መዳያዊ ምሕዝነት ስዒቡ 76 ኩባንያታት ኢንቨስትመንት ሞሮኮ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከወፍሩ ኣማራፅታት የፅንዑ ምህላዎም ድማ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ንግድን ማሕበራትን ሃገር ኣይተ ኣዲሱ ተኽለ ገሊፆም።