ልኡካት ህዝቢ ናብ ከተማ ሰመራ ይኣትው’ለው

መቐለ ሕዳር 27/2010(ድወት) ኣብ በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝሳተፏ ወከልቲ 5ተ ክልላት ትማሊ ኣማስዮም ናብ ክልል ዓፋር ኣትዮም፡፡

ወከልቲ ህዝቢ ክልላት ትግራይ፣ኣምሓራ፣ጋምቤላን፣ቤንሻንጉልን ናብ ከተማ ሰመራ እንትኣትው ድሙቅ ኣቀባብላ ተጌሩሎም’ዩ፡፡

ናብ ከተማ ሰመራ ክሳብ ዝኣትው በብከባቢኡ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ህዝቢ ከምዘሓጎሶም ድማ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ገሊፆም ክብል ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡