ነበር ፕረዝደንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዓመፅቲ ሃውቲ ተቐቲሎም

መቐለ ሕዳር 26/2010(ድወት) ነበር ፕረዝደንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዕጡቋት ዓመፅቲ ሃውቲ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ፡፡

ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ከምዝፀብፀብዎ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ቐንዲ ደጋፊ ዓመፅቲ ሃውቲ ከምዝነበሩ ገሊፆም፡፡

ቢቢሲ ኣል ዓረቢያ TV ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ፀሪሑ ከምዝሓበሮ ነበር ፕረዝደንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ርእሶም ተወቒዖም ከምዝሞቱ ይገልፅ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ምስ ስዑድ ዓረቢያ ትመርሖ ጥምረት ንምዝታይ ፍቃደኛ ምዃኖም ዝገለፁ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ሐዚ ብምማቶም ፓለቲካዊ ወጥሪ የመን ተስፍኡ ዘፀልምት እዩ ይብሉ ፀብፃባት፡፡

ኣብቲ ኣብ መንጎ ደገፍቶምን ዓመፅቲ ሃውትን ዝተካየደ ውግእ ዝተቐተሉ ነበር ፕረዝደንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ሽሕዃ ሞቶም ኣብ ምፍታሕ ፓለቲካዊ ወጥሪ የመን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ እንተተብሃለ ዓመፅቲ ሃውቲ ግና ዓቢ ዓወት ክብሉ ገሊፆም ኣለው፡፡

ክሳብ ሐዚ ተዓዋቲ ዘይተረኸበሉ ኲናት የመን መፃኢ ዕድል እታ ሃገር እንታይ ምዃኑ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ’ዩ ይብልዎ ተዓዘብቲ ብወገኖም፡፡