ኢትዮ-ቴሌኮም ኤሌክትሮኒክስ መሸጣ ካርዲ ጀሚሩ እዩ…

መቐለ ሕዳር 08/2010(ድወት) ኢትዮ-ቴሌኮም ንደንበኛታቱ ብኣገባብ ኤሌክትሮኒክስ ካርዲ ሞባይል ዝምልኣሉ ኣሰራርሓ ኣብ 214 ማእኸላት ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ግልጋሎት ካብ 5ቅርሺ ጀሚሩ ክሳብ ዝደለይዎ መጠን ገንዘብ ዝሕዝ ኮይኑ ኣብ ካርዲ ሞባይል ዝረኣ ዝነበረ ፀገም ኣቕርቦትን ሕፅረትን ዘቃልል እዩ።

ሓላፊ ኮርፐሬት ኮሙኒኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ኣይተ ዓብደራሂም ኣህመድ እቲ ሓድሽ ኣሰራርሓ ደንበኛታት ብዘመናዊ ኤሌክትሮኒክስ ካርዲ ሞባይል ንምምላእ ዘኽእሎም መሳርሒ ከምዝኾነን ዛጊድ ኣብ 214 ማእኸላት ዕዳጋ እቲ ኩባንያ ምሻጥ ከምዝተጀመረን ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ብማንዋል ኣሰራርሓ በዓል 5፣ 10፣ 25፣ 50፣ 100ን ቅርሺ መጠን ካርዲ ብምፍሓቕ ይምላእ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይት ዓብደራሂም ሕዚ’ውን እዚ ኣሰራርሓ ከምዝቕፅልን እቲ ሓድሽ ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክስ ናይዚ ተወሳኺ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ብሜላ ኤሌክተሮኒክስ ኣገልጋሎት ኣመላልኣ ሒሳብ ምጅማርን ደንበኛታት ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ እቲ ሓድሽ ኣገልግሎት ብኤሌክትሮኒክስ ካብ 5ቅርሺ ጀሚሩ ክሳብ 1ሽሕ ቅርሺ ዝበፅሕ ብዘይገደብ ምምላእ ዘኽእል እዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ሓድሽ ግልጋሎት ኣመላልኣ ካርዲ ካብ ዝቕፅሉ ኽልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ 3ሽሕ ዝኣኽሉ መከፋፈልቲ እቲ ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር ምድላው ከምዝተጀመረን ብሓፈሻ ድማ ክሳብ 12ሽሕ ዝፅግዑ መከፋፈልቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝህቡ እቶም ሓላፊ ኣመልኪቶም።