ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኢንተርኔት ኣብ ከተማ ዉዝሀን።

07/03/2010 እዚ ብብርኪ ዓለም ንራብዓይ ግዘ ዝኽበር ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኤንተርኔት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሃገረ ቻይና ከተማ ውዝሀን ካብ 3 ታሕሳስ ክሳብ 5 ታሕሳስ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብድምቀት ክካየድ እዩ።

እቲ ኮንፈረንስ ክሳለጥ እንከሎ ካብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሃገራት 1 ሽሕን 500 ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ክሳተፉ እዮም።

ካብቶም ኣብ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኤንተርኔት ዝሳተፉ ኣካላት ትካል ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፣ ሰብ ሞያ ንግዲ ኤንተርኔት ፣ ኣብ ኦንላይን ፍሉጣትን ሰባትን ምሁራንን ይርከብዎም ክብሉ ምኽትል ዳሬክተር ሳይበር ስፔስ ቻይና ረን ዥያንሊያንግ ገሊፆም ኣለው።

እዚ ንራብዓይ እዋን ኣብ ከተማ ውዝሀን ንክኽበር መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኮንፈረንስ ኤንተርኔት ንምድማቕ ተባሂሉ ንሓደ ዓመት ዝኣክል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ኣብታ ከተማ ክዝርጋሕ ከም ዝፀንሐ ውን ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ ዝካየድ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ዕቤት ኤንተርኔት ቻይናን ዕቤት ኤንተርኔት ዓለምን ኣብ 2017 ዓመተ ፈረንጂ እንታይ ይመስል ንዝብል ክልተ ሰመያዊ መፅሓፍቲ ክዝርግሑ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።

እዋናዊ ዕቤት ኤንተርኔት ብብርኪ ዓለም እንታይ ከም ዝመስል ንምድህሳስ ተባሂሉ ውን ናይ ዝተወሰና ሃገራት ንድፊ ሓሳብ ክቐርብ ትፅቢት ይግበር።

ፍልፍል ሓበሬታ cgtn.com