ልዕሊ 9ሚኢቲ ሸቕሊ ኣልቦ ወገናት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም…

መቐለ ሕዳር 05/2010(ድወት) ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 900 ሸቅሊ ኣልቦ ወገናት ቐዋሚን ግዝያውን ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ መሰለ ኣባይ ከምዝሓበርዎ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1ሽሕን 300 ነባራትን ሓደሽትን መንቀሳቐስቲ ዝተዋፈሩሉ ዓውደ ስራሕ ዝጥምት ሞያዊ ስልጠና ክወስዱ ዝተገበረ ኾይኑ ኻልኦት 913 ሸቕሊ ኣልቦ ወገናት ድማ ቐዋሚን ግዝያውን ሓድሽ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም እዩ።

ከምኡ’ውን ብውልቀን ብማሕበርን ተወዲቦም ኣብቲ ዓውደ እናነጠፉ ዝርከቡ ልዕሊ 700 ወገናት ብልዕሊ 3.3ሚልዮን ቅርሺ ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተገበረሎም ኾይኑ ን163 መንቀሳቐስቲ ድማ ልዕሊ 4.6ሚልዮን ቅርሺ መጠናኸሪ ልቓሕ ከምዝተውሃቦም እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።

ብዘይካ እዚ ልዕሊ 5.9ሚልዮን ቅርሺ ብመንቀሳቐስቲ ትካላት ንግዲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ከምዝተዓቖረን 516 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ምፍጣር ከምዝተኽኣለን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።