ኤጀንሲ ስታትስቲክስ ዓቕሙ ዘዕቢ ደገፍ ረኺቡ…

መቐለ ሕዳር 04/2010(ድወት) ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታስቲክስ ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለም 5.5ሚልዮን ሓገዝ ረኺቡ።

እዚ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ሓገዝ ኣተሓሕዛ መረዳእታ ዘመናዊ ንምግባር ንምምሕያሽን ዘኽእሉን ኽልተ ጨናፍር ኣብያተ ፅሕፈት ንምህናፅ ከምዝውዕል ድማ ተሓቢሩ።

ክኢላ ጉዳያት ዓውደ ውልቀ እቲ ባንኪ ዓለም ሃይደር ማሊክ ከምዝሓበርዎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ስትራቴጂ ምትሕብባር ቢዝነስ፣ ውሳነ ፖሊሲ መንግስቲን ኣብ ምምሕያሽ ትልሚን ተመጣጣናይ ምንባሩ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ተፈለጥቲ ካብ ዝኾኑ ማእኸላት ስታስቲክስ ዘለዋ ሃገር ምዃናን ብፍላይ ኣብ ዓውደ ስታስቲክስ ሕርሻ ክውሰድ ዝኽእል ተሞክሮ ከምዘለዋን ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ፕሮጀክት ስታስቲክስ መሰረት ገይሮም ኣብ ኣምቦ፣ ባህርዳር፣ ሃዋሳን መቐለን ጨናፍራት ንምኽፋት ህንፀት ተዛዚሙ ኣቑሑት ቤት ፅሕፈት ኣብ ምምላእ ከምዝርከብ ድማ ፀብፃብ ባንኪ ዓለም የረድእ።