ነዳዲ ቖጣቢ ቴክኖሎጂ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ

መቐለ ሕዳር 04/2010(ድወት) ልዕሊ 1ሽሕ መራሕቲ ስድራ ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ ቖጠብቲ ነዳዲ ቴክኖሎጂታት ከምዘተኣታተው ተሓቢሩ፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሃፍቲ ማይ መኣድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ቖራሮ ኣይተ ይርጋ ሃይለ ሎሚዘበን ተረባሕቲ ቖጠብቲ ነዳዲ ቴክኖሎጂታት ኮይኖም ካብ ዘለው መራሕቲ ስድራ እታ ወረዳ እቶም 477 ሞጎጎ ኤሌክትሪክ 340 ላቐች ዝዓይነተን ሞጎጎ ዝተረፍ 265 መራሕቲ ስድራ ድማ ሙሩፃት እቶን ዘተኣታተው እዮም፡፡

ኣብታ ወረዳ በቢ እዋኑ ይተኣታተዋ ዘለዋ ቖጠብቲ ነዳዲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምውጋድ ብርሰት ኣግራብን ኣብ ምንካይ ወፃኢታት ነዳዲን ዝለዓለ ግደ የበርክታ ከምዘለዋ ኣይተ ይርጋ ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብታ ወረዳ ሎሚ ዘበን 218 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዲላይት ሶላርን ባዮ ጋዝን ኾይኖም ምህላዎም እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም፡፡