ንግዳዊ ርክብ ኢትዮጵያን እንግሊዝን…

መቐለ ሕዳር 02/2010(ድወት) ንግዳዊ ርክብ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ከምተጠናኽር እንግሊዝ ኣፍሊጣ።

ዋና ፀሓፊ ዓለምለኸ ትካል ንግዲ እንግሊዝ ዶክተር ሊያም ሮክስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት ሃገሮም መጠን ናብ ኢትዮጵያ እትገብሮ ሰደድ ምህርቲ ብዕፅፊ ከምተዕቢ ሓቢሮም።

ኣብ 2015ዓ.ም ፈረንጂ ዝነበረ ንግዳዊ ርክብ ኢትዮጵያን እንግሊዝን 15.4ቢልዮን ቅርሺ ጥራሕ እንትኾን ሰደድ ፋይናንስ እንግሊዝ ናብ ኢትዮጵያ ብ7ቢልዮን ክውስኽ ድሌት ሃገሮም ምዃኑ ተዛሪቦም።

እዚ ማለት ድማ ንልቓሕን ውሕስናን ካብ እንግሊዝ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ትካላትን ናውትን ግልጋሎትን እንግሊዝ ንዝዕድጉ ኢትዮጵያውያንን ዝውዕል ገንዘብ እዩ ማለት እዩ።

ዶክተር ፎክስ ኣብዘረብኦም ሃገሮም ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ምስወፀት ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋታት እንግሊዝ ብነፃ ቐረፅ ክንቀሳቐሱ ዕድል ክረኽቡ እዮም በሉ’ሞ እዚ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ንግድን ኢንቨስትመንት ቐፃልነትን እምነትን ክህልዎ ይገብር እዩ ኢሎም።

ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያምን ኻልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ሃገርና ዝዘተዩ ዶክተር ፎክስ ሐዚ ዘሎ ንግዳዊ ርክብ ብምጥንኻር ብቐፃሊ መሓዛ ንግዲ እንግሊዝ ክትኸውን ትኽእል ሃገር እያ ኢትዮጵያ ምስ በሉ እዚ ድማ ሃገራዊ ቑጠባ ክዓብን ዕድል ስራሕ ክፍጠርን ዝገብር እዩ ኢሎም።ክብል ንኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኢትይጵያ ፀሪሑ ድማ APO ግሩፕ ፀብፂቡ።