ናሳ ንፕሮጀክት ነፈርቲ ታክሲ ምስ ትካል ቴክኖሎጂ ኡበር ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ።

መቐለ ጥቅምቲ 30/2010(ድወት) ትካል ቴክኖሎጂ ኡበር ነፈርቲ ታክሲ ንኣገልግሎት ንምብቃዕ እዚ ሎማዕንቲ ሮብዕ ዝተፈራረሞ ስምምዕ ኣብ ዝመፅእ 2020 ዓመተ ፈረንጂ እተን ነፈርቲ ታክሲ ኣብ ፈተነ ክውዕላ እየን ተባሂሉ ኣሎ። እዘን ነፈርቲ ታክሲ Uber Elevate ዝብል ስያመ ክህልወን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እዘን ካብ መሬት ሓፍ ኢለን ዝበራ ነፈርቲ ታክሲ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ ዘጋጥም ምጭንናቕ ትራፊክ ዝንኪ ከም ዝኾነ ተገሊፁ እዩ። ናሳን ትካል ቴክኖሎጂ ኡበርን ተዋዲዶም ዝሰርሕዎ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ምብጋስን ምዕላብን እተን ነፈርቲ ታክሲ ከጋጥም ዝኽእል ፀገም ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ከም ዝስራሕ ሓላፊ ምህርትታት ትካል ኡበር ዝኾኑ ጀፍ ሆልደን ገሊፆም እዮም።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ 2020 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ፈተነ ክግበረሉ እንትኾን ቅድሚ እቲ ኣብ 2028 ዓመተ ፈረንጂ ኣብታ ከተማ ዝካየድ ኦሎምፒክ ሎስ ኣንጀለስ እተን ነፈርቲ ታክሲ ናብ ኣገልግሎት ክውዕላ እየን።

ፍልፍል ሓበሬታ www.cnbc.com