ብኣሳናዳኢነት ከተማ ኮረም ክካየድ ዝቀነየ ሻምፔና ኣትሌቲክ ሃገር ኣቋራጭ ትግራይ ፍፃመ......

መቐለ ጥቅምቲ 07/2010(ድወት) ብኣሳናዳኢነት ከተማ ኮረም ክካየድ ዝቀነየ ሻምፔና ኣትሌቲክ ሃገር ኣቋራጭ ትግራይ ፍፃመ ረኺቡ ኣሎ! 7 ጋንታታትን 14 ወረዳታትን ተሳቲፈን እየን!

ካብ 52 ወረዳታት 14 ጥራሕ እየን መፂኤን እዚ ድማ ዓብይ ውድቀት እዩ ተባሂሉ! ጋንታ ትራንስ 3 ፅዋዓት ዓቲራ እያ! ጓል 13 ዓመት ኣትሌት ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኣምለሱ ግርማይ ሻምፔና 10 ኪሎሜትር ብምዃን ታሪክ ሰሪሓ ኣላ!

ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ወረዳታት ምድኻመን ሕፅረት ዕጥቂ ከምዘሎ ዓብይ ፀገም ሞግየይ ትራክ ከም ዘሎ ዛጊድ ትግራይ ዘመናዊ ትራክ የብላን!

ጋንታታት ምውሓደን ከም ዘይተሰግሩ ፀገማት ተወሲዶም እዮም! ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ክንሰርሓሉ ኢና ኢሎም ኣለዉ!!